Skip to content
Scan a barcode
Scan
Paperback ኣነ ከም መንግስቲ /Ane kem Mengsti/: ሓንጎል እዩ ኣምላ [Tigrinya] Book

ISBN: 3000880240

ISBN13: 9783000880247

ኣነ ከም መንግስቲ /Ane kem Mengsti/: ሓንጎል እዩ ኣምላ [Tigrinya]

ኣነ ነዛ መጽሓፍ ክጽሕፋ ዝገደደኒ ምኽንያት፡ ሓደ ልዑል ናይ ምሕደራ ባህጊ ስለዝነበረኒ ስለዘለኒ፡ ካብ ትዕዝብተይን ፍልጠተይን ድማ ንህዝቢ ብኸምዚ ክምራሕ ኣለዎ ብዝብል ሓሳብ እዩ።እዚ ሓሳብ እዚ ድማ ብግምት ካብ ወዲ 14ተ ዓመት ከም ድሌት ይሓስቦ ነይረ፡ኣብቲ ዝነብረሉ ዓዲ ኣብ በሪኽ ጎቦታት ደይበ ነታ ዓዲ ክዕዘባ ከለኹ፡ውጥናት እናኣውጻኹ፡በዚ ክፋል ከምዚ ትገብሮ፡በዚ ክፋል ድማ ከምዚ ይኸውን እናበልኩ፡መምሕዳር እንተዝኸውን እናበልኩ ይውዕል ነይረ።ኣብዚ ሕጂ ናይ 30ሳ ዕድመ ዘለኽሉ ግን፡በቲ ኣብ ሂወተይ ዝራኣኽዎ ምሕደራ ዓለምን፡በቲ ንሂወተይ ዘምጻኣሉ ጎዳኢ ሳዕቤንን፡ከምኡ'ውን በቲ ምፍላጥ ናይ ዓለም ምስጢር ኣፈጣጥራኣ፡እታ ዓለም ብ ሓሶት ታሪኻትን ብ ናይ ሰብ ምህዞ ሃይማኖታትን ስለዝተፈጥረት፡እዚ ጸገማት ዓለም ድማ ንሱ መሰረቱ ምዃኑ ስለዝፈልጥኩ እየ፡እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓንጎለይ እናተማላለሰ ዘጨንቐኒ ሓሳባት ድማ ኣብ መጽሓፍ ክጽሕፎ ተበጊሰ፡ በቲ ኣብዚ መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት ድማ ከም መንግስቲ ክኸውን ተመንየ።ገለ ክፋል ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ትሕዝቶታት ድማ፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዝትዓዘብክዎ ጌጋታትን፡ ካብቲ ኣንጻር ሰብን ተፈጥሮን ዝኾነ ኣተሓሳስባታትን ፍልስፍናታትን፡ ካብቲ ናይ ሓሶት ታሪኻትን ሃይማኖታትን መግዛእቲ ናጻ ንምዃንን፡ ኩሉ ንጥፈታት ባህልታት ሕግታት ሃይማኖታት, ወዘተ፡ድማ ኩሉ ትሕቲ ሰብ ምዃኑ ንምሕባርን፡ሰብ ድማ ዋና ነብሱን ምንባሩን ባዕሉ ባዓል ስልጣን ምዃኑን ካልእን ንኽፈልጥን ንኽምሃረሉን ንምሕባር እዩ። እዝን ካልእን ትሕዝቶታት ዝሓዘት መጽሓፍ እያ።እቲ ኩሉ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ድማ ንሰብ ኣብ ምንባር ዘድልዮ እዚ እዩ ኢለ ስለዝኣመንኩ፡ ኣነ ከም መንግስቲ ኣብ ተግባር ክውዕል ዝደልዮ ሓሳባት እዩ።ብሓፈሻ እቲ ዕላማ ናይዛ መጽሓፍ ኣብ ውሽጣ እዩ ዘሎ። ሰናይ ንባብ።ሰናይ ንባ&#

Recommended

Format: Paperback

Condition: New

$34.99
Ships within 2-3 days
Save to List

Related Subjects

Law Philosophy

Customer Reviews

0 rating
Copyright © 2026 Thriftbooks.com Terms of Use | Privacy Policy | Do Not Sell/Share My Personal Information | Cookie Policy | Cookie Preferences | Accessibility Statement
ThriftBooks ® and the ThriftBooks ® logo are registered trademarks of Thrift Books Global, LLC
GoDaddy Verified and Secured