Skip to content
Scan a barcode
Scan
Paperback "ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን"-"Tesfom & Habtom's Rivalry" (Tigrinya Edition): &#4672 [Tigrinya] Book

ISBN: 0578454688

ISBN13: 9780578454689

"ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን"-"Tesfom & Habtom's Rivalry" (Tigrinya Edition): ቀ [Tigrinya]

"ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን

እዚ ዛንታ ብዛዕባ ካብ 1952 ዓ ም ጀሚረን ክሳብ 1973 ኣብ ኣስመራ ን21 ዓመታት ዝቕመጣ ዝነበራ ክልተ ስድራ ቤታት'ዩ ዘዘንቱ። ተስፎምን ሃብቶምን ካብ ክልተ ጎረባብትን ደቂ ሓደ ዓዲን ዝኾኑ፣ ግራዝማች ስለጠነን ባሻይ ጎይትኦምን ዝበሃሉ ወለዲ ዝተወለዱ እዮም። ከም ጎረባብቲ ብሓንሳብ ሓመድ እናቛሓሙን እናተጻወቱን፣ ኣብ ሓደ ቀጽሪ እዮም ዓብዮም። ከም ኩሎም ቆልዑ ኸኣ እናተመሓዘውን እናተጻልኡን፣ ሓንሳብ ፍትው ሓንሳብ ጽልእ እናተበሃሃሉ ዓበዩ።

ኣብ ዕድመ ናይ ትምህርቲ ምስ በጽሑ ኸኣ፣ ብናይ ደረጃ መነባብሮ ፍልልያት ተስፎም ትምህርቱ ክቕጽል ከሎ፣ ሃብቶም ግን ንስድራ ቤቱ ክሕግዝ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ናብ ስራሕን ንግድን ዓለም ተዋፈረ። ክልቲኦም ሰብኡት ምስ ኮኑን፣ ተመርዕዮም ሓዳር መስሪቶም ኣብ ውላድ ምስ በጽሑን፣ እንደጌና ክራኸቡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኸቡ።

በዚ ምኽንያ'ዚ ክቀራረቡ ምስ ጀመሩ ኸኣ፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀደም መዕበያኦምን ጉርብትናኦምን፣ ፍቕሪ ወለዶም ተወሲኹዎ፣ ናብ ሽርክነትን ብልግና ምትሓሓዝን በቕዑ። ኣብቲ ሓድሽ ዝመስረትዎ ሓዳርን ናብራን ከኣ፣ ንሳቶም መሳርሕትን ጎረባብትን፣ ኣንስቶም መድህንን ኣልጋነሽን ከኣ፣ መሓዙትን መማኸርቲን፣ ብተወሳኺ ደቆም'ውን መማህርትን መጻውትን ክኾኑ ኸኣሉ።

እዚ ናይዘን ሓደስቲ ዝተመስረታ ክልተ ስድራ ቤት ጉርብትና፣ ነቲ ዝነበረ ርክብ ብዝያዳ ኣቀራረቦን ኣርጎዶን። በዚ ዕድል'ዚ ተጠቒሞም ከኣ፣ ቆልዑን ኣንስትን ኣዝዮም ፍሉይ ምቅርራብን ፍቕርን ክምስርቱ በቕዑ። ደቆምን ኣንስቶምን ጥራይ ዘይኮኑ ኣሕዋት ተስፎምን ሃብቶምን ኣርኣያን ደርማስን'ውን ከይተረፉ መሳርሕቶምን ሓገዝቶምን ክኾኑ በቕዑ። በዚ ኸኣ ዓበይቲ ወለዲ ተሓጎሱን ተሓበኑን።

ከምዚ'ሎም ብኹሉ ኹሉ እናተመሓየሹን እናሰሰኑን ክስጉሙ ጀመሩ። ከምዚ ኢሎም ካብ ዓወት ናብ ዓወት እናተሰጋገሩ ኸለው፣

Recommended

Format: Paperback

Condition: New

$24.99
Ships within 2-3 days
Save to List

Related Subjects

Fiction Literature & Fiction

Customer Reviews

0 rating
Copyright © 2026 Thriftbooks.com Terms of Use | Privacy Policy | Do Not Sell/Share My Personal Information | Cookie Policy | Cookie Preferences | Accessibility Statement
ThriftBooks® and the ThriftBooks® logo are registered trademarks of Thrift Books Global, LLC
GoDaddy Verified and Secured