Skip to content
Scan a barcode
Scan
Paperback ቢሮክራሲ [Tigrinya] Book

ISBN: 9994857754

ISBN13: 9789994857753

ቢሮክራሲ [Tigrinya]

ቢሮክራሲ፡ ገዲም ምስጢራዊ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ እዩ። ትሕዝቶ'ዚ መጽሓፍ ግን ልዕሊ ምግላጽ ቢሮክራሲ ይኸይድ፡ ታሪኽ ቢሮክራሲ ንብዙሕ ናይ ከተማ ቃልሲ ስለዝትንክፍ። ብዛዕባ ቢሮክራሲ ምዝራብ ማለት ዳርጋ ብዛዕባ'ቲ ካብ 1972 ክሳብ 1982 ዝነበረ ናይ ከተማ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ምዝራብ ማለት'ዩ። እኳ ደኣ ናይ ከተማ ቃልሲ ብናይ ሜዳ ቃልሲ ዝጽሎን ዝምራሕን ስለዝነበረ ናይ ሜዳ ቃልሲ'ውን ከይተንከፍካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ነዚ ዕዮ'ዚ ክሕዞ እንከለኹ፡ ብዛዕባ ቢሮክራሲ ይኹን ቃልሲ ከተማ ዝነበረኒ ሓበሬታ ኣዝዩ ድሩት'ዩ ነይሩ። ብሓፈሻ ህዝባዊ ግንባር ጽጹይ ሓበሬታን መጽናዕትን ረኺቡ ይሰርሕ ምንባሩ በቲ ዘመዝገቦ ዓወታት'ኳ ክግምገም ዝከኣል እንተኾነ፡ ናይ ከተማ ቃልሲ ብኸመይ ይካየድ ከምዝነበረን እንታይ ተራ ከምዝነበሮን ግን ምስ ኣተኻዮ ጥራይ እዩ ብዝግባእ ዝረኣየካ። ናይ ከተማ ቃልሲ ኣዝዩ ጽንኩር ኮይኑ፡ ዝተዓጻጸፈ ተወፋይነትን ብልሕን የድልዮ ነይሩ። እዚ መጽሓፍ'ዚ መጐስ፡ ክብሪን ኣፍልጦን ነቶም ኣብ'ዚ መዳይ'ዚ ዝተቓለሱ ማእለያ ዘይብሎም ውፉያት ክኸውን ተስፋ እገብር። ከም'ዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ምድላው ብመጠን'ቲ ጽንኩርነት ቃልሲ ከተማ እንክርአ ከቢድ እዩ። ብቐንዱ ንጹር ስእሊ ሰባትን ፍጻሜታትን ክርከብ ዓቢ ዓቐበት'ዩ። ዝበዝሕ ምንጪ ቃለ-መጠይቓት ናይ ሰባት ስለ ዝነበረ ካብ ቃላቶም ኣዋጺእካን ኣለቓቒብካን ዝንበብ ትሕዝቶ ምህናጽ ኣዝዩ ኣህላኺ፡ ብቐሊሉ ዕግበት ክርከቦ ዘይከኣልን ፈታኒን ስራሕ'ዩ። ዓቕሊ፡ ክእለት፡ ዓቕሚን እኹል ግዜን ምቹእ ሃዋህውን ረኺብካ ክስራሕ ዝግባእ'ዩ። ኩሉ'ዚ ብቐሊሉ ዝርከብ ጸጋታት'ዩ ነይሩ ክብል ኣይክእልን። ግዳ እቲ ታሪኽ ኣገዳሲ፡ ኣዝዩ መሳጢ፡ ቢሮክራሲን ብጾቱን እቶም ነዚ ዛንታ'ዚ ክነግሩኒ ዝተቐረቡን ብጠቕላላ ማረኽቲ ሰባት፡ እጃሞም ኣብ'ቲ ቃልሲ ክኹላዕ ዝግባእ ኮይኑ ስለዝረኸብክዎ ኩሉ ጸገማ/

Recommended

Format: Paperback

Condition: New

$22.84
Save $7.16!
List Price $30.00
50 Available
Ships within 2-3 days

Related Subjects

Architecture

Customer Reviews

0 rating
Copyright © 2025 Thriftbooks.com Terms of Use | Privacy Policy | Do Not Sell/Share My Personal Information | Cookie Policy | Cookie Preferences | Accessibility Statement
ThriftBooks ® and the ThriftBooks ® logo are registered trademarks of Thrift Books Global, LLC
GoDaddy Verified and Secured