Skip to content
Scan a barcode
Scan
Paperback ንምዕራብ [Tigrinya] Book

ISBN: 3000722009

ISBN13: 9783000722004

ንምዕራብ [Tigrinya]

መንእሰያት ኤርትራ ውልቃዊ ሓርነት የብሎምን! ናትና ዝብልዎ ብኣእዳዎም ክጭብጥዎ ዝኽእሉ ዕድል ይኹን ብሩህ መጻኢ የብሎምን። ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ትምህርቶም፡ ሳዋ ኣብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ግዱድ ዕስክርና ተጸሚዶም'ዮም ዝዛዝምዎ። ኣብ ዓመተ 2001 ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ዝዛዘመ መንኣሰይ ዘካርያስ ክብርኣብ፡ ካብ ግዱድ ዕስክርናን ግህሰት ሰብኣውነትን ንምንጋፍ ዝነበሮ ኣማራጺ፡ ናብ ኣህጉር ኤውሮጳ ምስዳድ እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ጉዕዞ ስደቱ፡ ከም'ቲ ብንኡስ ኣእምርኡ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዝገመቶ ቀሊል ኣይነበረን። ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ፡ ንኣዋርሕ ብቓላት ክግለጽ ዘይክእል መከራን ስቓይን ተጻዊሩ ክሓልፍ ነይርዎ። ንኡስ ዘካርያስ ክብርኣብ፡ ነቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብስፍሓቱ ቀዳማይ ዝኾነ ምድረበዳ ሰሃራ ከቋርጽ ኣብ ዝሃቀነሉ እዋን፡ ብብርቱዕ ጽምኢ ማይ ሂወቱ ካብ ምሕላፍ ንስክላ ብተኣምር ክድሕን ኪኢሉ። ኣብ'ቲ ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግር ዝፈተነሉ ወቕቲ'ውን ብጥምየት፡ ብብርቱዕ ማዕበል፡ ንፋስን ዝናብን ተኸቢቡ ምስ ሞት ፊት ንፊት ተፋጢጡ፡ ንኻልኣይ ግዜ በታ መተካእታ ዘይብላ ህይወቱ ተፈቲኑ። ነዚ ኹሉ መስገደል ሰጊሩ ናብ'ታ ዝሓለማ ኣህጉር ኣውሮጳ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ከተማ ሚላኖ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ጎደና ክድቅስ ተቐሲቡ። ኣብ ጀርመን ብምኽንያት እቲ ዘይሕጋዊ ዝተባህለ ስደቱ ኣብ ቤት

ማእሰርቲ ተሓቢሱ። መዓስ እዚ ጥራይ፡ ድሕሪ ማእሰርቱ ናብ ሃገሩ ክጥረዝ'ውን ተወሰነ። ነዚ ኹሉ ሓሊፉ ከም'ቲ ዝብህጎ ውልቃዊ ሓርነቱ ጨቢጡ ንምንባር ኣብ ስዊዘርላንድን ጀርመንን ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ንዓመታት ከርፋሕ ናብራ ኣሕሊፉ። ነቶም በብእዋኑ ዝቕልቀሉ ዝነበሩ ዓበይትን ንኣሽቱን ጸገማት'ውን ከከም ኣመጻጽኦኦም ክገጥሞም ነይርዎ። እዛ ናይ ዓመታት ናይ ስደት ዝኽሪ ዝሓዘት መጽሓፍ እምበኣር መንእሰይ ዘካርǤ

Recommended

Format: Paperback

Temporarily Unavailable

We receive fewer than 1 copy every 6 months.

Save to List

Customer Reviews

0 rating
Copyright © 2026 Thriftbooks.com Terms of Use | Privacy Policy | Do Not Sell/Share My Personal Information | Cookie Policy | Cookie Preferences | Accessibility Statement
ThriftBooks ® and the ThriftBooks ® logo are registered trademarks of Thrift Books Global, LLC
GoDaddy Verified and Secured