ብዙሕ እዋን ሓሲበሉ፣ እንተዀነ፡ ስለምንታይ ግጥሚ ከም ዝጽሕፍ ጌና ዓማሚ መልሲ የብለይን። ንተመኵሮይ ብዝምልከት፡ ከምቲ ዝለመድኩዎ ወይ ከምቲ ዝሰረጸኒ፡ ምስ ሓሳባት ምዕላል ስለ ዝብርሃኒ፡ ካብቲ ምስ ውሽጠይ ዘዕልሎ ካዕበት፡ ነቲ ቝንጣሮ እየ ኣብ ወረቐት ዘስፍሮ። ኣብ ውሽጠይ ለመም እናበለ ዝጓዓዝ ስምዒት ኰይኑ ንዝስምዓኒ እየ ኣብ ወረቐት ከስፍሮ ዝፍትን። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝፍጠርን እቲ ኣብ ወረቐት ዝሰፍርን ዝበዝሐ እዋን ምድራግ/ምምዕርራይ ይኣብየኒ። ዝበዝሕ ካብቲ ዝንውንው ጥዑም ዋሕዚ ሓሳባት'ሲ ኣብ ምፍልፋል እዩ ዝርከብ 'መስለኒ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 2014 ዘሕተምኩዎ ሕሩይ ግጥሚታት ዝሓዘ መጽሓፍ "ሰብ ዲኻ?!"፡ ብዛዕባ ዝቕጽል መጽሓፍ ዝሓቱኒ ግዱሳት ምስ በዝሑ፡ ኣቐዲሙ ዝመጽኣኒ ሓሳብ፡ ቀልጢፈ 'ከሕትም ድየ!' ዝብል'ዩ ነይሩ። ከሕትም እንተ ዀይነኸ ነቲ ካብ "ሰብ ዲኻ?!" ዘጽናሕኩዎ ግጥሚታት ኣኪበ ድየ ካልኣይ መጽሓፍ ግጥሚ ከስዕብ ወይስ ነቲ ዘይመላእኩዎ፡ ጀሚረ ዘወንዘፍኩዎ፡ ናይ ትርጉምን ልቂ-ጽሑፍን ስራሓት ኣጻፊፈ እየ ከሕትም ኣብ ዝብል ሓሳብ ውዱእ መልሲ ኣይነበረንን። ሓደኡ ክገብር ኣብ ዝወሰንኩሉ፡ ኣብ ቍርጽራጽ ወረቐት ዝተኣከበ ግጥሚታት ከም ዝነበረኒ ዝፈለጥኩ፡ ተፍትሽ ሰነዳተይ ምስ ኣካየድኩ እዩ። ስለዚ፡ ካልኣይ መጽሓፍ ግጥሚ ምድላው ዘይስገር ምዃኑ ተገንዚበ። ኣብ "ሰብ ዲኻ?!" ዘየርከበት - ኣጸቢቓ ስለ ዘይተሃንጸት - 'ጸበል ናቕፋ ንጸጉለይ' ኣብ ዝኽሪ 20 ሰነ 2015፡ መዓልቲ ሰማእታት*፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ምስ ቀረበት፣ ኣብ ዓመቱ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ፡ 'ድምጺ ስቕታ!'፣ ኣብ 2018 'መቓልሕ'ዚ ቦታ!' ምስ ቀረባ፡ ምስቲ ዝነበረኒ ግጥሚታት ኣኪበ ከም ኣመለይ ንብጾተይ ኣርእየዮም። ኣብ መንጐ "ሰብ ዲኻ?!" ወ "ሓራ ምዃን፣ ናጻ ምዃን!" ዝጸሓፍኩዎ ውሑድ እዩ። ዘጽሕፈኒ ዝነበረ ኵነታትን ቦታን ስለ ዝተቐየረ'ዩ 'መስለኒ፡ ወይ'ውን ምናልባት ኣብቲ ዝ
Related Subjects
Poetry