Skip to content
Scan a barcode
Scan
Paperback ህይወት መሓመድ: ሲራ [Tigrinya] Book

ISBN: 1678013552

ISBN13: 9781678013554

ህይወት መሓመድ: ሲራ [Tigrinya]

እዛ ህይወት መሓመድ ዘርእስታ መጽሓፍ ሓጺር መግለጺ ታሪኽ ህይወት መሓመድ እያ። ንሱ እቲ ቀዳማይ መራሒ ምልእቲ ምድሪ ዓረብን መሰረት ግዝኣት ምስልምና ዘንበረ እዩ። ሲራ፡ ታሪኽ ህይወት መሓመድ ጥራይ ዘይኰነስ ዉፉይ ኣስላማይ ክነብሮ ዘለዎ ቅዱስ ምስልምናዊ ጽሑፍ ድማ እዩ። ህይወት መሓመድ መስተንክር ዛንታ እዩ። ንሱ እቲ ቀዳማይ መራሒ ኲሉ ምድሪ ዓረብ ዝኾነ ብድኽነት ዝዓበየ ዘኽታም እዩ። ንሱ ሓድሽ ሃይማኖት፡ ሓድሽ ኣገባባታት፡ ሓድሽ ቅዲ ውግእ፡ ሓድሽ ፖለቲካውን ሕጋውን ስርዓት ማለት ሽርዕያ ፈጠረ። መሓመድ ናይ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ተዋጋኣይ እዩ ነይሩ። ሕጂ ብስም ቄሳር ወይ ናፖልዮን ወይ'ውን ካልእ ወትሃደራዊ መራሕ ዝካየድ ውግእ የልቦን። ብስም መሓመድ ዝሞቱ ሰባት ግና ነፍስ ወከፍ ዓመት ኣለዉ። ድሕሪ 1400 ዓመታት ምስልምና ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ንላዕሊ ዝያዳ ሓያል ኣሎ። መሓመድ፡ ሓደ መዓልቲ ኲላ ዓለም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሕጉ ክትንብርከኽ ምዃና ይነግር። ንምስልምና ክንርዳእ፡ ህይወት መሓመድ ክንፈልጥ ኣሎና። ኲሉ ኣስላማይ ልክዕ ከም ናይ መሓመድ ህይወት ክነብር ዝደሊ እዩ። ኲሉ ቓላቱን ተግባሩን ኣስላማይ ንምዃን ፍጹም መርኣያ እዩ። ኲሉ ኣስላማይ መሓመዳዊ እዩ። ሃይማኖት ምስልምና፡ ንኣላህ ምምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ ልክዕ ከምታ መሓመድ ንኣላህ ገይሩ ዘምለኾ ጌርካ ምምላኽ እዩ። ህይወት መሓመድ፡ ማለት ሲራ ፍልይቲ መጽሓፍ እያ። ሓጺርን ንጹርን መቐረት ምስልምና እትህብ ምሉእ ብምሉእ እተተኣማምን እያ። ስርዓት መወከሲኣ ንኹሉ ተጠቒሱ ዘሎ ሓበሬታ ከተረጋጋጽ ዝሕግዝ እዩ።

Recommended

Format: Paperback

Condition: New

$29.99
Ships within 2-3 days
Save to List

Customer Reviews

0 rating
Copyright © 2026 Thriftbooks.com Terms of Use | Privacy Policy | Do Not Sell/Share My Personal Information | Cookie Policy | Cookie Preferences | Accessibility Statement
ThriftBooks® and the ThriftBooks® logo are registered trademarks of Thrift Books Global, LLC
GoDaddy Verified and Secured