Skip to content
Scan a barcode
Scan
Paperback መጋርያ Megarya [Tigrinya] Book

ISBN: 9994801864

ISBN13: 9789994801862

መጋርያ Megarya [Tigrinya]

ንሰላሳ ዓመታት ዝኸርተተ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዕለት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ደቒቕ'ውን፡ እጹብ ድንቂ ታሪኽ መዝጊቡ'ዩ ሓሊፉ። ዝተሰግረ ጽንኵር መድረኻት፡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ሃልክን ሃለኽለኽን፡ ሃገራዊ ናጽነት ኣብ ምጕንጻፍ ዝተመዝገበ ዓወት፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጉዕዞ ምዃኑ ብሩህ'ዩ። እዚ ጸዊኻ ዘይነጽፍ ታሪኽ'ዚ፡ "ብሓቂ ብደቂ ሰባት ድዩ ተፈጺሙ " ኢልካ፡ ንምእማኑ ዘጸግም ታሪኽ ብዝግባእ ተተሪኹዶ? ንዝብል ሕቶ፡ ጌና ግቡእ ምላሽ ዝረኸበ ኣይመስንን። ነፍሲ-ወከፍ ተጋዳላይ ዝፈጸሞ ማእለያ ዘይብሉ ቃልሲ ኣሎ። ይዅን'ምበር፡ ዋናታቱ "ነጊሮምዶ?" "ተዛሪቦምዶ?" እቲ ፍጻመታት ኣይተነግረን ኢልካ ኣሕጺርካ ምምላሱ ይከኣል። ታሪኽ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብማእለያ ዘይብሎም ኣደነቕቲ ታሪኽ ዝተነድቀ ስለ ዝዀነ፡ ኣፍካ ክትከፍት ወይ ብርዕኻ ከተድንን ዝደፋፍእ ትሕዝቶ ኣለዎ። እሞኸ ደኣ፡ ተሪኽና'ዶ? ጽሒፍና'ዶ? ነጊርና'ዶ? ኢልና ንነብስና ኣብ እንሓተሉ፡ ሕጂ'ውን ከምቲ ዝድለ "ኣይተረኽናን፡ ኣይጸሓፍናን" ተባሂሉ ሓጺር መልሲ ክወሃቦ ይከኣል።

ስለምንታይ'ዩ ዳርጋ ነፍሲ-ወከፍ ተጋዳላይ፡ ካብ ምትራኽን ምዝራብን ትም መሪጹ ዝጓዓዝ ዘሎ? ንዝብል ሓፈሻዊ ሕቶ መልሲ ክወሃቦ ጽቡቕ'ዩ። እቲ መልሲ ኸኣ፡ "ኣነ ከምዚ ገይረ" ካብ ዝብል ስክፍታ ዝነቅል ይመስለኒ። እዚ ልምዲ'ዚን ናይ ምጽሓፍ ብቕዓትን ተበግሶ ዘይምህላውን ተደሚሩ ክርአ እንከሎ፡ ታሪኽና ምስ ነፍሲ-ወከፍ ስዉእ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተቐቢሩን ይቕበር ኣሎን። ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ህልውን መጻኢን ወለዶ፡ ካብ ፈጸምቲ ታሪኽ ክረኽቦ ዝኽእል ዝርዝር ታሪኽ እናተወሰነ ምኻዱ ዝፈጥሮ ስክፍታ መዘና ከም ዘይብሉ፡ ዳርጋ ኩላትና እንሰማምዓሉ ነጥቢ'ዩ።

Recommended

Format: Paperback

Condition: New

$30.00
Ships within 2-3 days
Save to List

Related Subjects

History

Customer Reviews

0 rating
Copyright © 2026 Thriftbooks.com Terms of Use | Privacy Policy | Do Not Sell/Share My Personal Information | Cookie Policy | Cookie Preferences | Accessibility Statement
ThriftBooks ® and the ThriftBooks ® logo are registered trademarks of Thrift Books Global, LLC
GoDaddy Verified and Secured