Skip to content
Scan a barcode
Scan
Paperback ፍቕሪ'ቲ ደራሲ [Tigrinya] Book

ISBN: B0D3MCSXQ3

ISBN13: 9798224355877

ፍቕሪ'ቲ ደራሲ [Tigrinya]

እዛ መፅሓፍ ከስሕቕ ኢለ ጥራሕ ኣይኮንኩን ፅሒፈያ። ንሕድሕድ ሰብ ምስ ዝፈጠሮ ፈጣሪ ዘለዎ ስውርን ዝገርም መንፈሳዊ ርክብ መሲጡኒ ውን እየ ፅሒፈያ። ሓይሊ ጥበብ ፈጢራ ነብሲ ወከፍ ህይወትናን ዝፈጠረናን (ዋና ደራሲና) እንተሪእናላ ታሕጓሰይ ወሰን የብሉን። ዝተፈጠርኩሉ ዕላማ እየ ገይረ። ቕርፂ እቲ መፅሓፍ መድብል ሓፂር ልቢ ወለድ ክበሃል ይከኣል። ነዊሕ ልቢ ወለድ'ውን ከብሎ ዝኽእል ምትእስሳር ታሪኽ ኣለዎ። 'መስ-ሓቂታት' ዝበልኩሉ ምኽንያት እቶም ሓፀርቲ ልቢ ወለዳት ኮሚክ (Humor) ዓይነት ስነ-ፅሑፍ ብምዃኖም እቲ ሓደ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ከስሕቑ ጥራሕ ከይኮነስ መረርቲ ሓቅታት ከም መስመስታ 'መስ' ዘብሉ ብምዃኖም'ውን እዩ መስ ኢለ ሰረዝ (-) ብምጥቃም ሓቅታት ኢለ ንኽልቲኡ ክጠምረለይ ብዝኽእል 'መስ-ሓቂታት' ክብሎ ዝመረፅኩ። ኣብ ኣቀማምጣ ቃላትን ሓረጋትን እትረኽብዎም "ዘረባዊ" ኣገላልጻታት ካብዚ ከምዚ ዝበለ ባህሪ ናይቲ መጽሓፍ ብዝብገስ ዝተቐመጡ እዮም። ቅዲ (ቴክኒክ) ኣፀሓሕፋይ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ እየ ወሲደ ተጠቒመሉ። ፈጣሪ ብኣምሳሉ ንዓና (ንኩሉ ፍጡር) ቕልጢፍና ኾነ ደንጒና ንንቀሓሉ ኣይንንቀሓሉ ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ፈጢሩና ኣሎ። ክፉእ (ሓዊ) ንምረፅ ቕዱስ (ማይ) ባዕልና ክንመርፅ ድማ ናጽነትና ነዓና ሂቡ ፈጢሩና። ምስኡ ንራኸበሉ ረቂቕ ጥበብ ብስውር ኣቕሚጡ ብግዚኡ ፅቡቕ ገይሩ ሰሪሑ ሚስጢሩ ጥበበኛ ኮይንና ክንረኽቦ መንፈሳዊ ጥበብ ኣቕሚጡልና። ኣነ'ውን ዝገበርኩዎ 'ዚ እዩ። ብኣምሳለይ ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ሓደ ገፀ ባህሪ ፈጢረ። ክፉእን ፅቡቕን ባዕሉ ዝመርፀሉ ነፃነቱ ድማ ሂበዮ ። ስለዚ ኣነ ብኣምሳለይ (ብኣምሳልኩም) ዝፈጠርኩዎ ሙሴ (ወድብርነሽ) ገፀ ባህሪ ኣነን ንስኻትኩምን ኢና ማለት እዩ። ዘይተፈጠረ ፈጣሪና ምሳና ዝህልዎ ስውር ርክብ ኣነ ደራሲ ንዝፈጠርኩዎ ገፀ-ሰብ ዝገብሮ ርክብ ዘርኢ እዩ። ብምዃኑ'ውን ፈጣሪ (ደራሲና) ናይ ነብሲ ወከፍና ስቓይን ሕማምን ከ

Recommended

Format: Paperback

Condition: New

$30.34
Ships within 2-3 days
Save to List

Related Subjects

Fiction Literature & Fiction

Customer Reviews

0 rating
Copyright © 2026 Thriftbooks.com Terms of Use | Privacy Policy | Do Not Sell/Share My Personal Information | Cookie Policy | Cookie Preferences | Accessibility Statement
ThriftBooks ® and the ThriftBooks ® logo are registered trademarks of Thrift Books Global, LLC
GoDaddy Verified and Secured