Skip to content
Scan a barcode
Scan
Paperback ሰላዪት ኣብ መቐለ: Spy in Mekele [Tigrinya] Book

ISBN: 0578964503

ISBN13: 9780578964508

ሰላዪት ኣብ መቐለ: Spy in Mekele [Tigrinya]

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ 1998 ክሳዕ 2000 መጠነ ሰፊሕ ኲናት ኣካይደን፡ ዓሰርተው ሸሞንተ ዓመt ኣብ ከቢድ ሓድሕድ ምትፍናን ይርከባ ነበራ።

ካፒተን ዘርይሁን ኣርኣያ፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክልተ፡ ኣብ ሞስኮ ድማ ንሓደ ዓመት ብበረራ ነፋሪት ውግእ ስኾይ ሰልጢኑ ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ በሊሕ ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ እዩ።

13 መጋቢት 2003፡ ካብ ሞስኮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመለሰ። ኣብ ሳልስቱ፡ ናብ መቐለ ተጸወዐ፣ ሓላፊ ደህንነት ረኸቦ፣ ኣብ ስለያ ወደቦ፣ ስልጠናታት ወሰደ፣ ንበረራ ነፋሪት ውግእ ድሓን ኩን በሎ።

5 ሰነ 2016 እዩ። ንኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምኽሳሳ ዝካየድ ዝነበረ ጎስጓስ፡ ኣብ ሎንዶን ኣኼባ ተወደበ፣ ካፒተን ዘርይሁን ተልእኮ ተዋሂቡዎ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሎንዶን በረረ።

ፌሩዝ ስዒድ ዓሊ መኪ፡ ኤርትራዊት-ሶማልያዊት-ጀርመናዊት'ያ። ብፋይናንስ፡ ብማስትረይት ዲግሪ'ያ ተመሪቓ። ኣብ ፍራንክፈርት፡ኣብ ምኽርን ምድላውን ፕሮጀክት ላህ ማየር'ያ ትሰርሕ። ህጹጽ ተልእኮ ክትፍጽም ካብ ስራሕ ክትሰናበት ተነገራ፣ ተሰናበተት፣ ካብ ፍራንክፈርት ናብ በርሊን ገዓዘት።

ፌሩዝ፡ 1.76 ሜትሮ፡ ሓጺር ጸጕሪ ርእሲ፡ ስፍሕ ዝበለ ግንባር፡ ፍሩያት ኣዒንቲ፡ ንኽትስዕመን ዘወናውና ከናፍር፡ ምጥንቲ ኣፍንጫ፡ ጽቡቕ ዝተቐርጸ ደናጉ፡ በላሕን ተዋዛይትን'ያ። ካፒተን፡ ጠላሕ በለቶ፣ ኣብ ፍቀራ ወደቐ። ናብ ኢትዮጳያ ክትኣቱ ሓባበላ፣ ኣተወት። ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ክትመላለስ ጀመረት።

ክልቲኦም፡ እንታይ ተልእኮ ኾን ተዋሂቡዎም ይኸውን? ሰናይ ንባብ!

Recommended

Format: Paperback

Temporarily Unavailable

We receive fewer than 1 copy every 6 months.

Save to List

Customer Reviews

0 rating
Copyright © 2026 Thriftbooks.com Terms of Use | Privacy Policy | Do Not Sell/Share My Personal Information | Cookie Policy | Cookie Preferences | Accessibility Statement
ThriftBooks® and the ThriftBooks® logo are registered trademarks of Thrift Books Global, LLC
GoDaddy Verified and Secured