Skip to content
Scan a barcode
Scan
Paperback "ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን" -"Covenant between Medhn & Alganesh": ካ&# [Tigrinya] Book

ISBN: 0578684241

ISBN13: 9780578684246

"ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን" -"Covenant between Medhn & Alganesh": ካ&# [Tigrinya]

ኣብ ቀዳማይቲ መጽሓፍ፣ እቲ ኹሉ ስግንጢር ጠባይን፣ ባህርን፣ ህልኽን፣ ትርን ናይዞም ክልተ ተጻያት ተደማሚሩ፣ ናብ ገበን፣ ናብ ፍርዲ፣ ናብ ምብትታንን፣ ማእሰርትን ሓደጋን ኣብጺሑ። እቲ ሽግር ግን፣ በዚ ኣብ "ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን" ዝተኸሰተ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣየብቀዐን። ንሱ እቲ ዝነኣሰ ሳዕቤኑ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ "ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣" እቲ ዝኸፍአን ዝገደደን ሳዕቤናቱ፣ ብዝርዝር ክኽሰትን ክቕላዕን ኢዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ዝወልዕዎ ሓዊ ስለ ዘይተማህሩ ኸኣ፣ ኣብቲ ዝቕጽል ዛንታ፣ ካብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስንክልና፣ ናብ ማዕረ ሞትን፣ ቅትለትን፣ ዘይወጽእ ጓህን ሓዘንን ኢዮም ወዲቖም። ኣንስቶምን፣ ደቆምን፣ ስድራ ቤቶምን ከኣ ኢዮም፣ ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ዕብዳን'ዚ ዝኾኑ።

"ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣"

ዛንታ ተስፎምን፣ ቅንዕናኡን፣ ድኽመታቱን፣ ፈተናታቱን፣ ከምኡ ኸኣ ዛንታ ብድሆኡን ስቓዩን መወዳእታኡን ኢዩ። ከምኡ ኸኣ፣ ዛንታ ነብሰ-ፍትወትን፣ በለጽን፣ ስስዐን፣ ዓመጽን፣ ጥልመትን ሃብቶምን ኣልማዝን'ውን ኢዩ። ብተወሳኺ፣ ዛንታ ልቦናን፣ ፍቕርን፣ ሓልዮትን፣ ጽንዓትን፣ ተወፋይነትን መድህንን ኣልጋነሽን ከኣ ኢዩ። ከምኡ ኸኣ፣ ዛንታ እቶም ምእንቲ ፍቕሪ ዝተሳቐዩን፣ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉን፣ ብሩኽን ክብረትን'ውን ኢዩ። ብዓቢኡ ኸኣ፣ ዛንታ እቶም ኣብነት ፍትሕን፣ ልቦናን፣ ዕብየትን፣ ክብርታት ወለድናን ሕብረተሰብናን ዝኾኑ፣ ግራዝማች ሰልጠነን፣ ወሳኒ ተራኦምን፣ ሓልዮቶምን፣ ሓድጎምን ኢዩ።

እምበኣር፣ እዞም ኣብዘን ናይ 30 ዓመታት ዛንታ ጉዕዞ ህይወት ዝትርኻ ክልተ መጽሓፍቲ፣ "ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን፣" ከምኡ ኸኣ፣ "ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን፣" ዝተሃንጹ ገጸ ባህርያት፣ ነዚ'ዮም ከንጸባርቑን ከሰጋግሩን ዝህቅኑን ዝጽዕቱን።

Recommended

Format: Paperback

Condition: New

$24.99
Ships within 2-3 days
Save to List

Related Subjects

Fiction Literature & Fiction

Customer Reviews

0 rating
Copyright © 2026 Thriftbooks.com Terms of Use | Privacy Policy | Do Not Sell/Share My Personal Information | Cookie Policy | Cookie Preferences | Accessibility Statement
ThriftBooks® and the ThriftBooks® logo are registered trademarks of Thrift Books Global, LLC
GoDaddy Verified and Secured